Free Bible Commentary

 

Ethiopia  Eritrea
 
እብራውያን
(The Book of Hebrews, Tigrinya)

 
ሰፊሕ መገለጺ ብዶ/ር ቦብ ኦትሊ (Dr.Prof Bob Utley) ፕሮፌሶር ስነ አፈታትሓ መጽሓፍ ቅዱስ (Hermeneutics) ንመጽናዕቲ ብዝጥዕም መገዲ ዝተዳለወ። እዚ ነጻ መርበብ ሐበሬታ መጽሓፍ ቅዱስ(website) ካብቲ በይኑ ምንጪ ንምድሐን ትኸውን እምነትን ፡ ንመገድና ብርሀን ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ምግላጽ ምእንቲ ክንረክብ ተባሀሉ ዝተዳለወ እዩ።
አብ ምትረጋም መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ አውራ ነገር እቲ ጸሓፊ እንታይ ክብል ከም ዝደለየ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምርዳእ ምክአል እዩ።
  1.  ምርጫ ስነ ጽሑፍ
  2.  ትሕዝቶን ዓይነትን ዓውደ ንባብ
  3. ሰዋሶኣዊ ተኽእሎታት
  4.  ብዝሒ ትርጉም ቃላት
  5.  አቃማምጣ ታሪኽን ባህልን ጸሓፋይን ጽሑፉን
  6.  ዝምድና ተኻታታሊ ምዕራፋት ከመይሲ እቲ ዝበለጸ ተርጋማይ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ እቲ መዝገብ ኩሉ ሐቂ ዝኾን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።
ደራሲ እዚ ጽሑፍ ፣ብስነ አፈታትሓ መጽሓፍ ቅዱስ (Hermeneutics) ብትምህርቲ ዝሰልጠኑ ስለ ዝኾኑ (ብዛዕባ ናይ ስራሕ ልምዶምን ሰረት እምነቶምን አብ ገጽ መርበብ ሐበሬታ www.freebiblecommentary.org ርኤ ) ፣
  1. ንመጽሓፍ ቅዱስ ፣ንኻልእ ዘይኮነ፣ንርእስኻ ከተንብቦ የተባብዑ(አንባቢ፣ መጽሓፍ ቅዱስን መንፈስ ቅዱስን ንበይኖም )
  2.  አንባቢ ርድኢቱ ክግምግምን፣ተውሳኺ ናይ ትርጉም ተኽእሎታት ክረክብ
  3. ነቲ ቀንዲ ትርጉም ምስተረድኤ፣እቲ ዝተርፍ ኒቲ ቓል አብ ባህሉን አብ ዕለታዊ መነባብርኡን ከተግብሮ አለዎ! ኩሉ ጊዜ ሐሳብ እቲ ጸሓፊ ሓንቲ እያ ፣አብ ተግባር ግን ንብዙሕ ነገራት ምጥቃም ባህርያዊ እዩ።
  4. ሽሕ እኻ ብርግጽ ትርጉም ገለ ጽሑፋት ከፍልጠና አይኽአል እምበር፣ አጋባብ ስነ አፈታትሓ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ጽሑፋት ዘየስምዕዎ ትርጉም እንታይ ምኻኑ የርእየና።
  5. መጽናዕቲ ኣተረጋግማ መጽሓፍ ቅዱስ Hermeneutics ጽሑፋት ከነጽንዕ ከለና ክንፈልጦም ዘለና ንጥብታት ነነጻጽረሉ መለክዒ እዩ። ነፍሲ ወከፍ መስርሕ ምትረጋም አዝዩ አገዳሲ እዩ ። ዘበናዊያን ተረጎምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን እቲ ጽሑፍ ንዓይ እንታይ ይብለኒ? ክብሉ፡ ይመርጹ፣እቲ ክሕተት ዘለዎ ሕቶ ግን እቲ ጸሐፋይ ነቶም አብቲ ዘበን ዝነበሩ ሰማዕቲ እንታይ ክብሎም ደልዩ ? ፤ እዚ ሓቂ እዚኸ ሎሚ ኣብ ህይወተይ ከመይ ይምልከተኒ? ኢልካ ምሕታት እዩ።
እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መትርጋም ሰሚናረይ ንበረኸት ክኾነኩም፤ እቲ ናይ ቃል ብቓል መብርሂ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ከቕርበኩም ተስፋ እገብር።
ዶ/ር ቦብ ኦትሊ ናይ Hermeneutics ፕሮፌሶር /ጥሮታ ዝወጸ/
 
Copyright © 2014 Bible Lessons International, P.O. Box 1289, Marshall, TX 75671, USA